|
ዜና ሚሌኒየም ትግራይ,
እቱ ብ28 ግንቦት 1999 ዓም ብክቡር ኣይተ ፀጋይ በርሀ ርእሰ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይን አካቢ ቤት ምኽሪ አከባብራ በዓል ሚሌኒየም ኢትዮጵያ ክልል ትግራይን እምነ ኹርናዕ ሚሌኒየም ፓርክ ትግራይ ብምቅማጥ ዝተጀመረ ትግበራ ፕሮጀክት ሚሌኒየም '' ክልተ ተኽሊ ንክልተ ሽሕ'' ክሳብ ሐዚ ናይ ክልተ ዞባታት ከይሓወሰ ልዕሊ 11448093 ተኽሊ መትከሊ ጉዳጉዲ ተዃዒቶም ኣብ ምልስላስ ይርከቡ፡፡ እቱ ከይዲ ምኹዓት ክሳብ 30 ሰነ 1999 ዓ ም ክቅፅል እዩ፡፡ እቶም ዝኳዓቱ ዘለው ጐዳጉዲ ኣብ ሚሌኒየም ፓርክታት ኣብ ጐቦታት ሚሌኒየም ኣብ አፍደገ ገዛውቲ ኣብ ቤት ትምህርታትን ኣብ የማንን ፀጋምን ኩሎም መንገድታትን ካልኦት ምችዋት ከባቢታትን እዩ፡፡ ስለዚ ኩሉ ተወላድን ፈታውን ትግራይ ኣብ ዘሃለወ ያሃሉ ዕላማታት እዚ ፕሮጀክት ዕውት ንምግባር ዝካኣሎ ኩሉ ብምግባር ተሳታፋይ ክከውን ንዕድም፡፡
ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ናብ ዝለምዐት ትግራይ
ቤት ጽሕፈት አከባብራ በዓል ሚሌኒየም ኢትዮጵያ
ክልል ትግራይ
|