ዜና ሚለኔም

 

ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ተወለድቲ ሃረሪ ኣብ ፓርክ ሚለኔም ክልል ትግራይ ተኽሊ ተኺሎም፡፡ ቁፅሮም ልዕሊ 25 ዝኾኑ እዞም ወገናት ብምኽንያት በዓል ሚለኔም ኢትዮጵያ ናብ ትውልዲ ዓዶም ሃረሪ መፂኦም ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ክልል ትግራይ መፂኦም፡፡ ሎሚ ዕለት 10 ነሓሰ 1999 .. ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ልክዕ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቃን እንትኣትዉ ዳሬክተር ኣከባብራ በዓል ሚለኔም ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣይተ ፍስሃየ ኣለማየሁን ካልኦት ሰበስልጣን ክልልን እቶም ኣጋይሽ ዝተኽልዎም ፈልሲታት ሒዞም ተቐቢሎምዎም፡፡ ሽዑ ንሽዑ ናብ ፓርክ ሚለኔም ክልል ትግራይ ከይዶም ተኽሊ ተኺሎም፡፡

 

እቶም ኣጋይሽ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ናብ ትግራይ ብምምፅኦምን ተኽሊ ሚለኔም ብምትካሎምንኣዝዮም ከምዝተሓጎሱ ገሊፆም፡፡ እዚ ንብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዘፋቕርን ዘቀራርብን ብምዃኑ ኩሉ ሕብረተሰብ ሓወልቲ ሚለኔም ከንብር ሓቢሮም፡፡ መብዛሕትኦም ንፈለማ እዋን ዝመፁ እዞም ኣጋይሽ ፀላእቲ ዘውርዩዎን ብኣካል ዝተዓዘብዎን ዝተፈላለየ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

 

ትሕዝቶ ሃገርና እንፍትሸሉን እነስተውዕለሉን ኣጋጣሚ በዓል ሚለኔም ተጠቐምካ ስለዝኾነ እዚ ዕድል እዚ ብዝግባእ ክንሰርሓሉ ተላብዮም፡፡ ንሕናውን ኣሰር እዞም ተወለድቲ ሃረሪ ክስዕቡ ኩሎም ፈተውቲ ትግራይን ተወለድትን ንዕድም፡፡

 

 

 

                                     ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ናብ ዝማዕበለት ትግራይ!

                          

 

ካብ ሓበሬታ ዴስክ ኣከባብራ በዓል ሚለኔም ኢት ክልል ትግራይ